ካብ “ኣህጒራዊ ባይቶ ፈንሲንግ” እተረኽበት ናይ ቪድዮ ምስሊ ናብ ሓፋሽ ቃልዕ ምዃና ተገሊጹ። ኣብታ ቪድዮ ፕረሲደንት
“ፈደሬሽን ፈንሲንግ” ኦቶ ድረከንበርግ መደረ እናስምዐ ሰማዕቱ ብዋጭዋታን ብምህራምን ጣውላን ዘረብኡ ከም ዘይቅጽል
ምግባሮም እያ እተርኢ። ንሱ ኣብ 2024 ስዑዲ ዓርብያ ዝግበር ዓለምለኸ ግጥም ናእሽቱ ኣመልኪቱ ዘለዎ ስክፍታ እናገለጸ እዩ
እዚ ናይ ተቓውሞ ዋጭዋጭታ ተሰሚዑ፡
"እቶም ካልኦት ጒጅለታት በዚ ኲነታት ብጭቚ ዘይምባሎም ኣገሪሙንን ኣሕዚኑንን እዩ" ክብል ኦቶ ድሬከንበርግ ን ሬድዮ ሽወደን
ገሊጹ’ሎ።