ካብ ጥሪ 1 2020 ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ከተማ ስቶክሆልም ካብን ናብን ዝህሉ ምዝዋር መኪና ክፍሊት ክውስኽ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ጎደና ኤሲንግለደን ( Essingeleden ) ዝግበር ዝያዳ ዝኸበረ ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ምውሳኽ ቀረጽ ናብታ ከተማ ዝህሉ ኣታውነት ክውስኽ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢሩሉ’ሎ። ኣብ ምዝዛም እዛ ዓመት ካብን ናብን ስቶክሆልም ዝግበር ነዊሕ ጒዕዞ ዝኸበረ ክኸውን እዩ።
ብዙሕ ትራፊክ ኣብ ዝህልወሉ መዓልቲ ዋጋ ናምካብ ሓሙሽተ ናብ ዓሰርተ ክሮና እዩ ክውስኽ። ካብ ሓደ ጥሪ ንደሓር ኣብ ንግሆ’ውን ካልእ ናይ ቀረጽ ኣገባብ ክተኣታቶ ምዃኑን ካብ ሰዓታት 6፡30 ኣቢሉ እዚ ከም ዝጅምርን ድማ ተገሊጹ። “ዘወርቲ መኪና ኣብዚ ጒዳይ ከሰርትን ከሰብትን ኪኾኑ እዮም” ክብል ዳይረክተር ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ጆናስ ኤሊያሰን። እዚ ወሰኽ ቀረጽ ኣብ ኤሲንግለደን E4 ንዝህልዋ ተሽከርከርቲ ዝምልከት እዩ። እዚ ቀረጽ በብወቕቱ ምስ ምስግጋድ ትራፊክ ክመሓየሽ ከም ዝኾነ እውን ተመልኪቱ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ጽድያን ሳመርን ዝነበረ ትራፊክ ካብ ዊንተር ዝሓየለ ከም ዝነበረ ንኣብነት ተጠቒሱ። ገለ መዓልታት ቅድሚ ልደት ምቕራጽ ከም ዝህሉን ድማ ተመልኪቱ’ሎ።