ምምሕዳር ትራንስፖርት ሽወደን ካብ ማልሞ ናብ ኮሎን ዝወስድ መንገዲ ባቡር ኣውሮጳ ብባቡር ንምርኻብ ናይ ፈለማ ስራሕ ክኸውን እዩ ክብሉ ሰብመዚ ገሊጾም። ብመሰረት ቃል ምምሕዳር ትርንስፖርት እዚ ናይ ስቶክሆልምን ሃንቡርግን መንገዲ ናይ ምሸታዊ ጒዕዞ ንምንዳይ ከም ዝሕግዝን ኣብ ቊጠባዊ ምውድዳር እዚ መስመራት ተወሳኺ መርመራ ክግበር ከም ዘድሊን ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ስጒምቲ ዝመጸ መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ ናይ ነፈርቲን ኣዋጻእነተንን ንዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ መጽናዕቱን ጸብጽቡን ከቕርብ ይዳለወሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።
ከም ቀዳማይ ስጒምቲ ካብ ማልም ናብ ደቡባዊ ጀርመን ብፍላይ ድማ ኮሎኝ ናይ በረራ ኣገልግሎት ክንፍጽምን በታ ከተማ ኣቢልና ክንሰፍሕን ባህጊ ኣሎና ክትብል ሓላፊት ስምምዓት ትራፊክን መጓዓዝያን ኣና ፌልቡም ገሊጻላ። ናይ ለይቲ ባቡራት መስመር ሽወደን ኮሎኝ ኣብ ዝቕጽል፡ሰለስተ ዓመታት ክጅምራ ይኾና እየን ድማ ኢላ። ይዂንምበር ምስ ዝምልከተን ሃገራት ዝግበር ኣድላዪ ስምምዓት ኣብ ጒዕዞ ምህላዉን ዘድሊ መሳለጥያን ሕጓዊ መዳያቱን ዘሳልቱ ግዱሳት እውን ምህላዎም ኣመልኪታ። ሽወደናውያን በብግዚኡ ካብ በረራ ናብ ጒዕዞ ባቡር እናመረጹ ክመጹ ምጽንሖም እታ ሚኒስተር ኣብሪሃ’ላ።