ካብ 2000 ክሳብ 2017 ዘሎ ግዜ እቲ ኣብ መንጎ ኣታዊታት ውልቀ ሰባት ዘሎ ጋግ እናገፈሐ ምኻዱ ካብ ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ሃገራት ኖርዲክ ዝወጸ መግለጺ ኣቃሊዑ። ኣብ ሃገራት እስካንደናቭያ ብምውድዳር፡ ኣብ ሽወደን እቲ ናይ ኣታዊ ጋግ ዝዓበየ ምዃኑ እቲ መግለጺ ሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ጸብጻብ ዘቕረቦ ግዜ፡ ሽወደን እታ ዝዓበየ ዘይተመጣጠነ ኣታዊ ዘለዋ ኖርዲካዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየትን ብዝሒ ዘይሰርሑ ስደተኛታትን ነቲ ናይ ኣታዊ ጋግ ንኽገፍሕ ጠንቂ ከምዝኾኑ ዳግነዝ ኒሂተር ዝተባህለ መጽሄት ሓቢሩ። ሚኒስተር ገንዘባዊ ጉዳያት፡ ማግደሊና ኣንደርሰን፡ ከምኡ ውን ሓላፊ ሰልፊ ሞደራትና፡ ዮናስ ኾስቴድ፡ ነቲ ውጽኢት ናይቲ ጸብጻብ ብምድጋፍ ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ መሪሕነት ናይ ስቴፋን ሎቪን እቲ ናይ ኣታዊታት ምምቕራሕ ብዝሓሸ መንገዲ ከምዝተመሓደረ ርእይቶኦም ገሊጾም።. ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ኣታዊታት ጋግ ንምጽባብ ከም እንኮ መፍትሒ ክኾነና ዝኽእል፡ መጠን ኣታዊ ግብሪ ምውሳኽ እዩ ክብል ኾስቴድ ሓቢሩ። ኣንደርሾን ብወገና፡ ንነዊሕ ግዜ ዝዓለመ ሞያዊ ሓላፍነት ከም መፍትሒ ናይዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ኣታዊ ዘይምምጥጣን ክኸውን ከምዝኽእል ርእይቶኣ ኣቕሪባ። ሓዳሽ ቆይማ ዘላ ሽማግለ ማሕበራዊ ውሕስነት ነቲ ብመንገዲ ምምሕዳራት ንማሕበራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ ብቕርጡው ኣገባባት ክጥቀምሉ ዝኽእሉ መንገድታት ከተናዲ ምዃና ኣንደርሸን ኣብ መግለጺኣ ሓቢራ።