ሎሚ ዕለት 20/11/2020 ካብ ሰዓት 10፡25 ናይ ንግሆ ጀሚሩ፡ ካብን ናብን ዮቶቦሪ ዝነበረ ምንቅስቓስ ባቡራት፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገም፡ ከምዘቛረጸ SVT ሓቢሩ።
ንምጽጋኑ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድን፡ ናይ ባቡር ጉዕዞታት መዓስ ከምዝጅምርን ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ የለን ክብል ሓላፊ ርክባት ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ፡ ኢማኑኤል ኣልቫሬዝ፡ ሓቢሩ።
ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት ጉዕዞታት ባቡር ተሰናኺሉ ከምዘሎን ንኻልእ ግዜ ከም ዝተሰጋገረን ጽገና ድማ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣልቫሬዝ፡ ሓቢሩ።