ልዕሊ 40% ካብ ተቐማጦ ስቶክሆሎም ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ዘስዕብ ቫይረስ ኮሮና ጸረ-ነፍሳት ዝስከሙ እዩም ክብል ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን ከምዝገለጸ ጋዜጣ DN ሓቢራ።
ካብ 17.5% ክሳብ 20% ዝኾኑ ካብ ተቐማጦ ስቶክሆሎም ባህርያዊ ጸረ-ነፍሳት ዝነበሮም ክኾኑ እንከለዉ ክንደኦም ድማ ሓደስቲ ጸረ-ነፍሳት ዘማዕበሉ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ጸረ-ነፍሳት ዝስከሙ ተቐማጦ ስቶክሆልም ክሳብ 40% ዝበጽሑ ምኻኖም ግምታት’ቲ ጸብጻብ ይሕብሩ።
እዚ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ጸረ-ነፍሳት ኣሃዛት፡ ዘተባብዕን ኣወንታውን ብምኻኑ ንዓቕሚ ተጻዋርነት ሕማም ዝሕብርን ንመጠን ለበዳ ዘደናጉን ምኻኑ ካርልሰን ኣረጋጊጹ።
መጠን ጸረ-ነፍሳት ካብ 40% ክሳብ 45% ምብጽሑ: እቲ ብደረጃ ሕብረተ ሰብ ዝፍጠር ናይ ምጽዋር ዓቕሚ(Herd Immunity) ዝብል መረዳእታ ዕላምኡ ክወቅዕ ተኽእሎታት ክህልዎ ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርስቲ ስቶክሆሎም መምህር ናይ ስነ-ሒሳብ ዝኾነ ቶም ብሪቶን ኣንፊቱ።