ካብቶም ብሰንኪ ግብረ ሽበራ ቦኮሓራም ካብ መረበቶም እተመዛሉ 103 ሽሕ ናይጀርያውያን እቶም 5 ሽሕ ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ምዃኖም ካሜሮን ገሊጻ።
ሰብመዚ ክልቲኣተን ሃገራት ማለት ናይጀርያን ካሜሮንን ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት ናይጀርያ እዞም ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ህይወት ክምለሱን ጸጥታኦም ንምውሓስን ተሰማሚዓ ኣላ።
እቲ ምፍናው እዞም ተመዛበልቲ ኣብ 27 ለካቲት ክፍጸም ምዃኑ ካሜሩን ገሊጻ’ላ።
እዞም ዝበዝሑ ካብ ዞባ ቦርኖ ከም እተመዛበሉ ዝንገረሎም ሰባት ቦኮ ሓራም ደጊም ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝኾነሉ ዕድላት የለን ዝብል መገለጺ ካብ መንግስቲ ናይጀርያ ከም እተዋህቦም ገሊጾም ኣለዉ።
“እዞም ስደተኛታት ናብ ንመረበቶም ዝምለሱሉ ዘለዉ ምኽንያት ኣብ ካሜሩን ምንባር ስለ ዝሓሰሞም ዘይኮነስ ካብ ሃገርካን ቤትካን ዝጥዕም ስለ ዘየለ እዩ” ክብል ሓደ በዓልመዚ ካሜሩን ገሊጹ።