ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብውሕዱ 10 ሽሕ ሰባት ካብ ካሜሮን ናብ ጫድ ከም እተሰደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ትተተ ሓቢሩ።
ጠንቂ ናይዚ ስደት፡ ብሰንኪ ኣብ ውነና መሬትን ሃብቲ ዓሳን እተላዕለ ግጭት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት፡ ቆልዑን ደቀንስትዮን እዮም። ኣብዚ ኣብ ሰሜን ካሜሩን ዝተኸስተ ግጭት፡ ዓሰርተታት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለዩ ቀቢላታት ብወጥሪ ውነና መሬትን ባህርያዊ ሃብትን ዝለዓል ግጭታት ልሙድ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ እናኾነ፡ ሰብመዚ ጫድ እቲ ግጭት ናብ ዓዶም ከይልሕም ይሰርሑ ኣለዉ ክብል እቲ ዜና ወሲኹ ገሊጹ።