ባንክ ሽወደን ኣብ ካልኣይ ርብዓዊ ዓመት ካብ ብርኩ 2652 ሚልዮን ክሮነር ምኽሳሩ፥ እዚ ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበረ መኽሰብ 7.3 ሚልዮን ክሮነር እንክረአአ ድማ ኣዝዩ ገዚፍ ምውራድ ምዃኑ ተገሊጹ። በዚ ድማ ብጽሒት ስቶክሆልም ናብ 5 ሚእታዊት ምውራዱ ይንገር ኣሎ።
” እዚ ባንክ ገዚፍ ክሳራን ሓደጋን ከስዕብ ይኽእል እዩ” ይብል ኣቦ መንበር ባንክ ሽወደን ኡራን በርሾን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ። ወለድ እቲ ባንክ ካብ 6.2 ሚልዮን ክሮነር ናብ 6.6 ሚልዮን ክሮነር ምዕባዩ ድማ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ’ሎ።