ካልኣይቲ ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ድሕሪ ምውሳድ፡ ሓደጋታት ምርጋእ ደም ዝኣመሰሉ ጽልዋታት ከምዘይውስኹ፡ ዘ ላንሰት (The Lancet) ዝተባህለ ሳይነሳዊ ጆርናል ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ብመሰረት እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ፡ መጠን ሓደጋታት ምርጋእ ደም ድሕሪ ካልኣይቲ ብልቃጥ ምኽታብ፡ 2.3 ካብ 1 ሚልዮን ምዃኑ ገሊጹ። እዚ መጠን ድማ፡ እቲ ንቡር ኣብ ዘይተኸትቡ ሰባት ዘጋጥም መጠን ሓደጋታት ምርጋእ ደም ምዃኑ፡ እቲ መጽናዕቲ፡ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ድሕሪ ቀዳመይቲ ብልቃጥ ክታበት፡ መጠን ሓደጋታት ምርጋእ ደም፡ 8.1 ካብ 1 ሚልዮን ምዃኑ ይፍለጥ።
እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ንጽልዋታት ቀዳማይን ካልኣይን ብልቃጥ ኣስትራ ዘነካ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ድሕሪ ክታበት፡ ብምክትታል ዝተኣከበ ሓበሬታ ምዃኑ እቲ ጆርናል ሓቢሩ።