መራሕ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ ኡን፡ ሃገሩ፡ ምስ ኣሜሪካ ዘተ ከተካይድን እንተ ዘይኮይኑ ድማ ክትገጥም ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ሃገረ ሰሜን ኮርያ፡ ንክብርታታ ንኽትከላኸል ድልውቲ ምህላዋ ኣብ ኣኼባ ሰልፉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኪም፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ፡ KCNA፡ ገሊጹ።
እዚ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኦፊስ ካብ ዝርከብ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካ ዘቕነዐ መግለጺ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ ገሊጾም።