Källa BBC TIGRINJA
ቁጽሪ ናይተን ኣብቲ ልዑል ክብሪ ዝወሃቦ ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ዝሳተፋ ክለባት ካብ 32 ናብ 36 ክብል ምዃኑ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ውሳነ፡ ካብ ዓመተ ውድድር ካብ 2024-25 ጀሚሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ኣብ 10 ሰሙናት 8 ጸወታታት ከተካይድ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ውድድራት ዝነበረን ውጽኢት መሰረት ብምግባር፡ ክልተ ክለባት ናብቲ ውድድር ክውሰኻ ዝቐረበ ጠለብ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ፕረዚደንት ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ኣክሳንደር ሰፈሪን ከም ዝበሎ “እቲ ውድድር ንኹለን ሕልሚ ዘለወን ክለባት ክፉት ኮይኑ ክቕጽል’ዩ”።
ኣብ ክንድኡ፡ ክልተ ካብቲ ኣርባዕተ ተወሳኺ ቦታታት ብሃገር ደረጃ ንዝህሉ ውጽኢት ክለባት ክወሃብ’ዩ።