ሽወደናዊ ኩባንያ ቮልቮ ከምኡ’ውን ጃፓናዊ ኣይሱዙ ሞተርስ ብረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ንግዳዊ መካይን ሽርክነት ንምፍጣር ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ። እዚ ስምምዕ ኣብ መሸጣ UD Turks ን ኣይሱዙ ዘጠቓልል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክልቲኣተን ኲባንያታት ኣብ መጻኢ ኣብ ንጥፈታት መፍረ ናይ ንግድ መካይንን ማእከሎት ናይ ኣገልግሎት መካይንን ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን ገሊጸን ኣለዋ።
ቮልቮ እዚ ናይ ናይ EDD TURKS ዋጋ ክሳብ 2.3 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበጽሕ ገሊጹ’ሎ። እዚ ኣገባብ ኣብ ስርሒታዊ ኣታዊ ጒጅለ ቦልቮ ናይ ክልተ ቢልዮን ክሮና ብምውሳኽ ኣዎንታዊ ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑን ንኣጠቓላሊ ናይ ሊኲዲቲ ፖዚሽን እዚ ጒጅለ ብ 22 ቢልዮን ክሮና ክውስኽ እዩ ክትብል እታ ኲባንያ ገሊጻ’ል።