ብዙሓት ሃገራት ኤውሮፓ፡ ብባቡር ንዝንቀሳቐሱ ተሳፈርቲ ንመምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከተግብርሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሑ ማስክ ንኽኽደኑ ዝግድድ ሕጊ ከም ዝበየና ይዝከር። ኣብ ሽወደን ዘሎ ኩነታት ግን ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ኩባንያታት ባቡር ንተሳፈርተን ማስክ ንክኽደኑ ኣይግድዳን እየን።
ኩባንያ SJ፡ ንተሳፈርቱ ማስክ ክኽደኑ ኣይግድድን እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ንኩነታትን ጠለባትን ሽወደን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ብዘመሓላልፎም መምርሒታት ተቐይዱ ስለ ዝሰርሕ ክብል ዋሃብ ቃል’ታ ኩባንያ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።
ኩባንያ MTRX፡ ንተሳፈርቲ ዝኸውን ማስክ ብነጻ ቀሪቡ ኣሎ። ነቲ ማስክ ግን ውሑዳት ተሳፈርቲ ዝጥቀምሉ’ኳ እንተኾኑ፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን፡ ቁጽሪ ናይ ተጠቀምቲ ይውስኽ ምህላዉ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ኩባንያ፡ ማትስ ዮሃንሶን፡ ገሊጹ።
ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ማስክ ምኽዳን ብዝምልከት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልየ መምርሒ ወይ ምኽሪ ኣይክህልዎን እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዝኾነ ኣንድሽ ቲግኒል፡ ተለቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።
ማስክ ምኽዳን ካብ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ይኽእል እዩ ዝብል ተሪር ጭብጢ ኣይተረኽበን ዘሎ። ንእዋናዊ ምዕባሌታት ድማ ብቐረባ ንከታተሎም ኣለና። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ንምግታእ፡ ተሳፈርቲ፡ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ከተግብሩ ከምዝግባእ ቲግኒል ብተወሳኺ ገሊጹ።