ጠለባት ዓበይቲ መካይን ኣብ ሽወደን ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ስለዝጸንሐ፡ መጠን ፍርያት ዓበይቲ መካይን ንምውሳኽ ኩባንያ ስካንያ መደብ ሒዙ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ ኩባንያ፡ ንገለ ካብቶም ኣሰናቢትዎም ዝጸንሐ ኣባላት ናብ ስራሕ ክመልስ ከም ዝኽእል ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።
ኩባንያ ስካንያ፡ ነቲ ቅድሚ ቅልውላው ኮሮና ዝነበረ መጠነ ፍርያት ዓበይቲ መካይን ኣብዚ ክረምቲ ክውስኸሉ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ወሰኽ መጠን ፍርያት፡ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ዝኾነ ጠለብ ዓበይቲ መካይን ዘስዓቦ ምዃኑ እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ገሊጹ።
ኩባንያታት መፍረ መካይን፡ ንቑጠባ ሽወደን ካብቶም ኣገደስቲ ጽላታት ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ኩባንያ ስካንያ ድማ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ዝኾኑ ወሃብቲ ስራሕ ኣብ ሽወደን ኮይኑ ክሳብ 19 ሽሕ ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ኣለዎ። ነቶም ካብ ስራሕ ዝተሰናበቱ ሰራሕተኛታቱ ድማ ሓጺር ውዕል ስራሕ ከፈርሞም ከምዝኽእል ይግመት።
ቅድሚ ቅልውላው ኮሮና፡ ኩባንያ ስካንያ፡ መዓልታዊ ክሳብ 260 ናይ ጽዕነት መካይን የፍሪ ከምዝነበረን እቲ መጠን ፍርያት ድማ ክዛይድ መደብ ኣሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩባንያ ስካንያ፡ ሰራሕተኛታቱ ከጉድል መደብ ከምዝነበሮ ይዝከር።