ሽወደናዊ ናይ ቮልቮ ካምፓኒ ንፈለማ ግዚኡ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ሰሪሑ። እዛ መኪና ንእሽቶ ኮይና ሓንሳብ ባትሪ ምስ መልአ ን40 ማይል ብዘይምቁራጽ ክትጓዓዝ ከም እትኽእል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ምሰራሕ አገዳስነቱ ንቮልቮ ዓቢ ከም ዝኾነ ሓላፊ ቮልቮ ሃካን ሳሙኤልሰን ይሕብር።
ቮልቮ: ነቲ ጠንቂ ምቕያር ክሊማ ዓለምና ዝኾነ ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ምጉዳል አበርክቶኡ ከዕዝዝ ቅሩብ ምህላዉ ብተወሳኺ ገሊጹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓንቲ ሓዳሽ ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ንኽሰርሕ ቮልቮ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ሒዙ አሎ።