ቮልቮ ከም ኣካል ምቚጣብ ርእሰ ማል 170 ካብ ስራሕተኛታቱ ከሰናብት ውጥን ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ከም ኣካል ናይቲ ክኽተሎ ዝወጠኖ ብቚጠባ ናይ ምክዋን መደብ ቮልቮ 170 ካብ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ከተማ ኮፒን ኣሰናቢቱ ተባሂሉ።
እዚ ምስንባት ሰራሕተኛታት ዝተኻየደሉ ምኽንያት ጠለብ መካይን ቮልቮ ብናህሪ ብምንቊልቋሉ እዩ ክብል ሰራሕተኛ እቲ ትካል ኦሳ ብራካንደር ሓቢሩ’ሎ። ቮልቮ ፓወርቴን ኣካል ቮልቮ ጒጅለ ኤቢ ኮይኑ ምስ ቮልቮ ትራክስ ብሽርክነት ኣብ ምፍራይ ሞተረን መካይንን ከም ዝሰርሕ ይፍለጥ።
ትካል ምፍራይ መካይን ቮልቮ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ ተወሳኺ ምስንባት ሰራሕተኛታት ክገብር ምዃኑን እዞም ናይ ቊጠባ ስጒምቲታት ኣብ ፍርቂ እዚ ዓመት ገለ ጽልዋ ክገብሩ ትጽቢት ምህላዉን እውን ተገሊጹ’ሎ።