ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ፡ ኣንድሩ ኩዎሞ፡ ኣብ ዝቕጽላ 14 መዓልታት ብፍቓዱ ስልጣኑ ክሓድግ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኩዎሞ፡ ኣብ ወርሓ ነሓሰ ብጾታዊ ምድፋር ክሲ ቀሪብሉ ብ ክፍሊ ፍትሒ ኒውዮርክ ፍሉይ መርመራ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ። ኣብዚ ዝተኻየደ መርመራ 11 ደቀንስትዮ ከይፈተዋ ዘየድሊ ምትንኻፋት ሓዊስካ፡ ጾታዊ ምድፋር ከም ዘካየደለን ክገልጻ እንከለዋ፡ ሓንቲ ኣቐዲማ ናይ ክሲ ፋይል ከፊታ ምጽንሓ ተመልኪቱ።
63 ዝዕድሜኡ ኩዎሞ፡ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኮይኑ ካብ 2011 ንደሓር ከገልግል ጸኒሑ’ሎ። ድሕሪ 14 መዓልታት ስልጣኑ ምስ ገደፈ ብካቲ ሆቹክ ክትካእ ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ንሳ ፋልመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኮይና ክሳብ ታሕሳስ 2022 ከተገልግል እያ።
ክዋሞ፡ ነዞም ክሲታት መሰረት ዘይብሎም እዮም ኢሉ ክካታዕ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት፡ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ከጋጥሞ ምጽንሑ እዩ ዝፍለጥ። ስልጣኑ ክሓድግ ከተባብዕዎ ካብ ዝጸንሑ ኣባላት ሰልፉ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ከም ዝርከቦም ተሓቢሩ።