ብኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝማዕበለ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክታበት ተስፉው ዝኾነ ውጽኢት ፈተነ ከምዝሃበን ንጸረ-ነፍሳት ድማ ኣንጻር ቫይረስ ኮሮና ብኸመይ ኣገባብ ከምዝሰርሕ ዝሕብርን እዩ ተባሂሉ።
እቲ ክታበት ኣብ ልዕሊ 1077 ሰባት ምስ ተፈተነ ከም ውጽኢቱ ድማ እቶም ኣካላት ናይቶም ሰባት ሓደስቲ ጸረ ነብሳትን ጻዕዱ ዋህዮታት ደምን ከፍሪ ጀሚሩ። ኣካላት ወዲ ሰብ ንመጥቃዕታት ቫይረስ ኮሮና በዞም ባእታታት ኣቢሉ ከምዝቃወም ዝፍለጥ እዩ።
ሽወደናውያዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ፡ Astra Zeneca፡ ምስ ኦክስፎርድ ዮኒቨርስቲ ብምትሕብባር ጸረ ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ክታበት የማዕብል ከምዘሎ ምሕባሩ ይዝከር።
ተረኺቡ ዘሎ ውጽኢት፡ ብጣዕሚ ትስፉው እዩ። እንተኾነ ግን፡ ክሳብ ጸረ ቫይረስ ኮሮና እኹል ዝኾነ ውሕስነት ክህበና ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ዝፍጠር እቲ ፈተነ ብዝዓበየ ደረጃ ክካየድ ከምዘለዎ ነቲ ናይ ክታበት መድሃኒት ዘማዕብሉ ዘለዉ ኣካላት ይገልጹ።
ዓዲ እንግሊዝ ካብ ኩባንያ Astra Zeneca100 ሚልዮን ናይ ክታበት መድሃኒት ጠሊባ ኣላ። ኣቐድም ኣቢላ ሽወደን፡ 8 ሚልዮን ናይ ክታበት መድሃኒት ናብቲ ኩባንያ ጠለባ ከምዘቕረበት ይዝከር።