Källa BBC TIGRINJA
ስድራቤት ናይቲ ብዓመፅቲ የማናይ-ክንፊ ዝተጨወየ ምኽትል ፕረዚደንት ፓራጓይ ነበር፡ እቲ ፖለቲከኛ ንኽፍታሕ ዝያዳ ፃዕሪ ክግብር ሓቲቶም።
ካብ 2012 ክሳብ 2013 ምኽትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ኦስካር ደኒስ ኣብ ኢድ ጨወይቲ ካብ ዝኣቱ 600 መዓልታት ተቖፂሮም ኣለዉ።
ንሱ ኣብ መስከረም 2020 ዝተጨወየ ኮይኑ፡ መላእ ስድራቤቱ “600 ናይ ጭንቀት መዓልታት” ከምዝሓለፉ ጓሉ ቢትሪዝ ትዛረብ።
76 ዓመት ዝዕድሚኡ ደኒስ ኣብ ዝውንኖ ደንበ (ናይ ከብቲ ሕርሻ) እንከሎ ብኣባላት ናይቶም ‘EPP’ ብዝብል ዝፍለጡ ህዝባዊ ሰራዊት ፓራጓይ [Paraguayan People’s Army] ተጨውዩ ከምዝተወሰደ ይግለፅ።