ባይቶ ኦስትሪያ፡ ብሓገዝ ንዝግበር ርእሰ ቕትለት ብዝምልከት ንሕጋዊነቱ ኣፍልጦ ሂባ።
እዚ ዕላዊ ዝተገብረ፡ ብወርሒ ታሕሳስ እቲ ናይ ዞባ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ተግባር ዝነበረ ብሓገዝ ዝግበር ርእሰ ቕትለት ብዝምልከት ተደንጊጉ ዝነበረ እገዳ፡ ምስቲ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝጻባእ እዩ ክብል ድሕሪ ምእዋጁ እዩ።
ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ሕጊ እገዳ ምጥሓስ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ክበጽሕ ዝኽእል ማእሰርቲ የስዕብ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢኩ’ሎ።
እንትርፊ በቶም ጥሩፋት የማናውያን፡ በቲ ብኹሎም ውድባት ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ መሰረት፡ ንሞት ከብጽሕ ብዝኽእል፣ ብዘማስንን ብጽኑዕን ንዝሓመሙ ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት፡ ብፍታዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ህይወት ንኸጥፍኡ ሓገዝ ክረኽቡ ዝኽእሉ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ቓንዛ ኣብ ምህዳእ ዝነጥፍ ክኢላ ሓዊሱ ንሕድሕድ ጉዳይ ክልተ ሓኻይም ከምዝግምግምዎ ተገሊጹ’ሎ። ካብቲ እዞም ሓኻይም ዘሳልጥዎ ተግባር እቲ ሓደ፡ እቲ ተሓካሚ ብፍታዉ ሓገዝ ተገይሩሉ ህይወቱ ከሕልፍ ምድላዩ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ክውስን ምኽኣሉ ምርግጋጽ እዩ ዝኸውን።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሊ።