ኣብ ክሊ ዕድመ 20ታት ዝርከቡ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ወርሓ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኦስሎ ሮዘንሆፍ ኣብ ዝርከብ ግሮሰሪ ከቢድ ገበን ራስያ ድሕሪ ምፍጻሞም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ራስያ ብታሕሳስ 12 ሰንበት መዓልቲ ኣብ እዋን ምሸት እዩ ተፈጺሙ። ክልተ ካብቶም መንእሰያት ናብቲ ግሮሰሪ ናይ ኣየር ሽጉጥ ሒዞም ብምእታው ንሰራሕትኛታት ብምፍርራህ 200 ሽሕ ክሮናን ብርክት ዝበለ ናይ ወጻኢ ባጤራን ምውሳዶም፡ ድሕሪዚ ነቶም ሰራሕተኛታት ብግዲ ኣብ መካዚኖ ከም ዝዓጸውዎም ኣብቲ ክሲ ተጠቒሱ’ሎ። ክልቲኦም ድሕሪዚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ክኣትዉ እንክለዉ እቲ መኪና ዘለቅሖም ሳልሳዮም ድማ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ፍልልይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዉ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ።