እንግሊዝኛ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ሽወደን ዝህልዎ ጽልዋ፡ ዛዕባ ክትዕ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ቀረባ ሳምንታት፡ ኣብ መዓልታዊ ዝሕተማ ጋዜጣታት፡ እዚ ኣርእስቲ ብርክት ዝበሉ ርእይቶታት አአንጊዱ’ሎ። ሓደ ካብዞም ርእይቶታት፡ ናይ ውድብ “ስፕራክ ፎርስ ቫረት” ወይ “ዕቃበ ቋንቋ” ኮይኑ፥ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ እንግሊዝኛ ቋንቋ ሽወደን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝጸንሖ ቦታ ይስእን ኣሎ፡ እዚ ድማ ን ማሕበራዊ ሓድነትን ዴሞክራሲን ሓደገኛ እዩ ክብል ተሟጊቱ’ሎ።
ኣብ ኣህጒራዊ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝነጥፍ ሃንስ በርግስትሮም ግና ነዚ ብምቅዋም፡ ሽወደናውያን ቋንቋ እንግሊዝ ብምምላኾም ሽወደን ይዳኸም ኣሎ ንዝብል ምጒት ኣዋዲቕዎ’ሎ።