ወቐሳ ካብቲ ኮሚሽን ኮሮና ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቤት ጽሕፈት ብዙሕ እንተተሰምዐ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ዝተወሰኑ ክፋል ናይ እንዳ ዓበይቲ ጥራሕ እዮም ናይ ኦክሲጅን ሕክምና ክህቡ ዝረአዩ ዘለው – ብኢኮት (Ekot) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝጸብጸቦ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኮሚሽን ከምዘመላክቶ እንድሕር ኮይኑ፡ ቅድሚ ዓመት ኣብ እዋን እቲ ዓለምለኻዊ መልከፍቲ ሕጽረት ሕክምናዊ ኦክሲጅን፡ ኣብ እንዳ ዓበይቲ ግቡእ እኳ እንተዘይኮነ፡ ከጋጥም ከምዝኽእል ግና ሓቢሩ ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
ሓደ ሓደ ምምሕዳራት፡ ኣብ ኩሎም እንዳ ዓበይቲ ናይ ኦክሲጅን ሕክምና ቀረብ ከምዘሎ ይገልጹ፣ እዚ ኮይኑ ግና ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቲ እዚ ሕክምና ናይ ኦክሲጅን ንክረኽቡ ናብ ካልኦት ሆስፒታላት ክኸዱ ዝግደዱሉ ኩነታት ከምዘሎ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
“እዚ ከምዚ ምዃኑ፡ ኣዝዩ ዘይርትዓዊ እዩ። ክኸውን ዝግብኦ ነገር፡ ኣብዝሃለኻ ቦታ ሃልው ብዘየገድስ፡ ተመሳሳሊን ግቡእን ዝኾነን ሕክምና ክትረክብ ኣለካ” ክብል ኣብ ዮቶበሪ ዩኒቨርሲቲ ዝርከብ ኢንጌማር ስኩግ ዝባሃል ፕሮፌሰር ናይ ሳይኪያትሪን ዳይረክተር ናይ ማእከል ጥዕናን ን Ekot ገሊጹ።
ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ምስቲ ዞባ ዝተማሓየሸ ምትሕግጋዝ ከምዘለወን ክገልጻ ከለዋ፡ ካልኦት ግና ናይ ኦክሲጅን ሕክምና እንተዝቐርበሎም ከምዝደልዩ እዮም ዝሕብሩ። ይኹን እምበር እቲ ዞባ፡ እዚ ክኸውን ከምዘይክእል እዩ ዝሕብር። በዚ ሽግር ዝጽለው ምሕዳራት ዳላርና፣ ስኮነን ኦስተርጎትላንድን ይርከቡዎም።
ካብቶም 290 ምምሕዳራት፡ እቶም 206 ዝኾኑ ኣብቲ Ekot ዘዳለዎ ግምገማ ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ።