ኣብ ሽወደን ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ወጻእተኛታት ኮይኖም ብቐደም ተኸተል ካብ ሶማልያ፡ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ፊንላድን ቱርኪን ዝመጹ ምዃኖም ኣማኻሪ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣንድሽ ቲግኒል ገሊጹ። ካብቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት 5% ሶማልያ ፡ 4% ዒራቕ ከምኡ ውን 3% ሶርያ ከምእውን ዜጋታት ፊላንድ፣ ቱርኪ ዪጎዝላቭያን ኤርትራን ትሕቲ 1 % ሙኻኖም ይግለጽ። ጠንቂ ናይዚ ኩነታት ብንጹር ክፍለጥ’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ማሕበራውን ቁጠባው ኩነታቶም ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ክግመት ተኻኢሉ ኣሎ።
ንሕማም ኮቪድ-19 ዝምልከቱ ሓበሬታታት ድማ ብዓቕምና ዘፍቅዶ ኣገባባት ናብዞም ሕብረተ ሰባት ንምጻሕ ቀጻሊ ጻዕሪ ነካይድ ኣለና ክብል ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ልዕሊ ፍርቂ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት፡ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዕድመ ዘለዎም ኣብ እንዳ መናበይ ኣረጋውያን ዝቕመጡ ዝነበሩ እዮም ኔሮም ክብል ብተወሳኺ ቲግኒል ገሊጹ።