እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ዕላማታት ሓማስ፡ ብነፈርቲ ከም ዘጥቅዐት ገሊጻ።
ንሳ ካብቲ ከባቢ ዝተላዕለ ተባራዒ ባሉን ምኽንያት ብምግባር ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወት ገሊጻ’ላ። ሎሚ ረቡዕ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ቓዛ ድምጺ ተዂሲ ከም ዝተሰምዐ እውን ተፈሊጡ። ትማል ሰሉስ፡ ብርክት ዝበላ ባሉናት ካብ ቓዛ ናብ እስራኤል ከም ዝተፈነዋ ባርዕ ከም እተላብዐን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ እስራኤል ገሊጹ’ሎ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጐ ክልቲኣቶም ሓይልታት ን 11 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ተኸሲቱ ምንባሩን ካብ ክልቲኦም ወገናት ድማ ልዕሊ 250 ሰባት ከም ዝሞቱ ይዝከር።