ኣብ ፈስቲቫል ኣይሁድ፡ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ንዝሞቱ 45 ሰብኡት፡ ቆልዑን ህጻናትን ንምክዛር፡ ኣብ እስራኤል መዓልቲ ሓዘን ከም እተኣወጀ ተፈሊጡ።
ኣብዚ “ላግ ብዖሜር” ተባሂሉ ዝጽዋዕን ኣብ ሰሜን እስራኤል፡ እምባ ሜሮን፡ እተኻየደን ፈስቲቫል ኣይሁድ 150 ሰባት ኣካላዊ ጒድኣት ወሪድዎም ኣሎ። ኣብዚ ሕሉፋት ኦርቶዶክሳውያን ኣይሁድ ዝጽንብልዎ በዓል ክሳብ 100ሽሕ ሰባት ከም ዝሳተፉ ይፍለጥ። ኲሎም ግዳያት ከም እተለለዩን ካብዚኣቶም እቶም 12 ቆልዑን ህጻናትን ምዃኖም ተገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ መዓልቲ ሓዘን፡ ባንዴራ እስራኤል፡ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ክተንበልብል፡ ትልሂታትን ስፖርታዊ ንጥፈታትን ከኣ ከም ዝውንዘፍ ተጌሩ ኣሎ።