ተቓውምቲ ሰልፊታት እስራኤል: ሓድሽ ሓድነታዊ መንግስቲ ብምቛም: ንስልጣን በንያሚን ናታንያሁ: ከብቅዕ ከም ዝገብሩ ገሊጾም።
በንያሚን ናያንያሁ: ንዝሓለፋ 12 ዓመታት ብተኸታታሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንእስራኤል ክመርሕ ምጽንሑ ይዝከር። መራሒ ማእከላይ ሰልፊ (የቲድ)፡ የዒር ላፒድ፡ ሸሞንተ ሰልፊታት ዝተጸንበራኦ ጥምረት ከም እተመስረተ ገሊጹ’ሎ።
ብመሰረት ስምምዕ ተርቲብ፡ ሓላፊ የማናይ ክንፊ፡ ነፍታሊ በነት፡ ቀዳማይ ሚኒትስር ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል ስልጣኑ ንላፒድ ከረክብ እዩ። እዚ መንግስቲ፡ ማሕላ ፈጺሙ፡ ስርሑ ንምጅማር ድምጺ ባይቶ ከም ዘድልዮ ተገሊጹ’ሎ።
ላፒድ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዛዕባ እዚ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት ንፕረሲደንት ሩቨን ሪቭሊን ከም ዘፍለጦን፡ መንግስቲ እስራኤል ንረብሓ ዘድመጹን ዘየድመጹ፡ ኮታ ንረብሓ ዂሎም ዜጋታት ክሰርሕ ይግብኦ ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ኩሎም ኣካላት እስራኤል ንምሕባርን ንምርኻብን ኲሉ ዝኽእሎ ክገብር እየ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ፕረዚደንት እስራኤል፡ ሪቭሊን፡ ባይቶ እስራኤል ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ተጋቢኡ ድምጺ ንኽህብ ጻውዒት ጌሩ ኣሎ።
እዞም ሕጂ ጥምረት ፈጺሞም ዝበሃሉ ዘለዉ ሰልፊታት፡ ንናታንያሁ ካብ ስልጣን ንምግላፍ እንተዘይኮይኑ እዚ እዩ ዝበሃል ናይ ሓባር ኣጀንዳ ከም ዘይብሎም ዝፍለጥ እዩ።