ኣብ እስራኤል፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ታኪን፡ ብለበዳ ኢንፍሉወንዛ ኣዕዋፍ ምሟተን ተፈሊጡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መዕቆብ ብዝሓ ባህሪ ዝነበራ ልዕሊ 5000 ሳገምቲ ኣዕዋፍ እውን በዚ ሕማም ከም እተቐዝፋ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።
ነዚ ኣመልኪታ ሚኒስተር ኣከባቢ እታ ሃገር፡ ትእማር ዛንድበርግ፡ “ኣብ ሃብቲ እንስሳና ዝወረደ ዝኸፍአ ዕንወት” ክትብል ገሊጻ’ላ። በዚ ድማ ስእነት እንቋቖሖ ከየጋጥም ብምባል ሓረስቶት እስራኤል 500 ሽሕ ተወሰኽቲ እንቋቖሖ ክጫጭሑ ለበዋ ቀሪቡሎም ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገ፡ር ናፍታሊ በነት፡ ከምኡውን ኣማኻሪ ጸጥታኡን ካልኦት ክኢላታትን ብሰኑይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መጠንቀቕታ፡ እዚ ሕማም ብኣግኡ ክዕገት ኣለዎ ኢሎም ኣለዉ። ብፍላይ ምስዘን ኣዕዋፍ ብቐጥታ ዝሰርሑ ሰባት፡ ናውቲ መከላኸሊ ክወሃቡ ጀሚሮም ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ጸብጺቡ’ሎ።
ካብ ኣዕዋፍ ናብ ሰብ ዝህሉ ለበዳ ቫይረስ ሳሕቲ ዘጋጥም እኳ እንተኾነ ኣብ ዓመተ 2003፡ 456 ሰባት ብሕማም ኢንፍሉወንዛ ኣዕዋፍ ተታሒዞም ምንባሮም ሰነዳት ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክቱ።
ዛጊት ናብ ሰብ ዝሓለፍ ቫይረስ ከም ዘይተረኽበ ድማ ተመልኪቱ።