እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ፡ ብኢራን ይሕገዝ እዩ ንዝበለቶ ነቚጣታት ወሰናስን ደማስቆ ኣጥቂዓ ክትብል ኣልጀዚራ ገሊጻ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ ካብ ጎቦታት ጎላን ከም ዝተበገሰ፡ ካብ ሰራዊት ሶርያ ዝተረኽበ መግለጺ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣፈኛ ሰራዊት እስራኤል፡ ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ ብዝምልከት፡ ርእይቶ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ።
ካብ ምጅማር እዚ ዓመት ኣትሒዛ፡ እስራኤል፡ ካብቲ ንቡር ስፍሕ ዝበለ ቦታታት ብፍላይ ድማ ጥቓ ዶብ ዒራቕ ዘለዉ ምስ ኢራን ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም ነቚጣታት፡ ሸቶ ዝገበረ መጥቃዕቲ ምፍጻማ ይግለጽ። ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ቤኒ ጋትስ፡ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢራን፡ ናብ ሶርያ ኣእዳዋ ከይትዝርግሕ ንምክልኻል፡ ኣብ ሶርያ ሰሙናዊ መጥቃዕቲ ተካይድ ምህላዋ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ሶርያ፡ ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ቑድስን ሚሊሻን ኣብ ደቡባዊ ደማስቆ ጽኑዕ ናይ ትሕተ ምድሪ ደጀን ከም ዘለዎም ዞባዊ ጸጥታዊ ምንጭታት ይሕብሩ።
እስራኤል፡ ኣብ ታሕሳስ 2020 ጥራይ 500 ሸቶታት እዞም ሓይልታት ምጥቃዓ ወተሃደራዊ ጸብጻባት የመልክቱ።