ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኣሜሪካ፡ ጊላን ኤርዳን፡ ምስ ሓላፊ ማዕከን ዜና AP፡ ጋሪ ፕሩዊት፡ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተፈጸመ ደብዳብ ህንጻ ማዕከን ዜና ኣብ ቃዛ ኣመልኪቱ መብርሂ ከምዝሃቦ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ምኽንያት ናይቲ ደብዳብ፡ ይብል ኤርዳን፡ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ሓማስ፡ ኣብቲ ልዕሊ ህንጻ ዝተኸሎም፡ ንስርዓተ ምክልኻል ነፈርትን ሚሳይላትን እስራኤል፡ ዝርብሽን ዘጋግን ማዕበል ይሰድድ ብምንባሩ፡ እስራኤል፡ ነቲ ስጉምቲ ክትወስድ ከምዝተገደደት ገሊጹ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኤርዳን፡ ንማእከላይ ቤት ጽሕፈት AP ኣብ ምህናጽ ክተሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ’ካ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ዘይተኣደነ ናይ ጋዜጠኝነት ንብረት ከምዝጠፈአን ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን ዝሃለቐ ሂወት ዘይምንባሩ ዘሐጉስ እዩ ኢሉ።
ኣብቲ ዝተደብደበ ህንጻ፡ ቤት ጽሕፈታት ናይ ከም በዓል ኣልጀዚራ ዝኣመሰላ ማዕከናት ዜና ከምዝነበረ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ ፍጻሜ፡ ብብዙሓት ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰባት ዝኾኑ ወገናት ከም ዝተኾነነን፡ ነቲ እስራኤል ትብሎ ዘላ ምኽንያት ድማ መርትዖ ከተቕርበሉ ሓቲቶም።