ኣብ ቀረባ እዋን እተኻየደ ምርጫ ሃገረ እስራኤል፡ ተዓዋታይ ብንጹር ክፍለ ብዘይምኽኣል፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ንበንያሚን ናተንያሁ፡ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ከም ዝመዘዞ ተገሊጹ።
መዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ብግዜያውነት ተዋሂቡ ዘሎ ናታንያሁ፡ ልፍንታዊ መሪሕነት ንኸቕውም ካብ ኣባላት ባይቶን ሕጹያትን ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ’ሎ። ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ እተኻየደ ምርጫ፡ ንሱ ይዂን ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ መንግስቲ ንምቛም ዘኽእሎም እኹል ድምጺ ዘይምርካቦም እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት እተኻየደ ምርጫ፡ መበል ራብዓይ ብዘይ እሻማዊ ኣገባብ እተወድአ ምርጫ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ናታንያሁ ብምጥፍፋእ ገንዘብን ምብርዓን እምነትን ተኸሱሱ እናሃለወ እዩ ከምዚ ዓይነት ዕድላት ረኺቡ ዘሎ ዝበለ ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ንሱ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት፡ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎም እዮም ብምባል ከም ዝነጽጎም ገሊጹ።