ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ኣንጻር ክታበትን ሓደስቲ ቀይድታትን፡ ኣብ ጎደናታት ከተማ ተል ኣቪቭ ብምውጻእ፡ ተቓውመኦም ከምዝገለጹ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዘለዉ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ዝበሎም ቆልዑ ክኸትብን ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ድማ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ክኽትብ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ዝሰዓበ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ምንባሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ ኣብ እስራኤል፡ ኣስታት 2400 ሰባት ብኮቪድ ከምዝተለኽፉን እዚ ቁጽሪ ድማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ንደሓር ካብ ዝተመዝገበ፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ተገሊጹ።
መንግስቲ እስራኤል፡ ምኽዳን ማስክ ንኻልኣይ ግዚኡ ከምኡ ድማ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምሕታት ዝኣመሰሉ መምርሒታት ከምዘተኣታተወ ይፍለጥ።
ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 60% እስራኤላውያን ከምዝተኸትቡ፡ ጸብጻባት ጥዕና’ታ ሃገር ይሕብሩ።