ኣብዚ ጀሚርናዮ ዘለና ወርሒ መጋቢት፡ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ከመይ ከምዝመሰል፡ ውዱእ እማመ ክቐርብ ምዃኑ ፕረዚደንት ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ኦርሶላ ቮን ደር ሌይን፡ ተመባጺዓ ክብል ማዕከን ዜና ሮይተር ገሊጹ።
ኣብ ደቡብ ኤውሮፓ ዝርከባ፡ ዝዓበያ ናይ ቱርዝም ሃገራት፡ ንጉዳይ ናይ ክታበት ፓስፖርት፡ ብዓቢ ተገዳስነት ዝከታተለኦን ዝደፍኣሉን ዘለዋ እየን።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ብመንገዲ ኦንላይን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ ንጉዳይ ናይ ክታበት ፓስፖርት ንምትግባር፡ ንኤውሮፓዊ ኮሚሽን ሓላፍነት ንኽህብዎ ተሰማሚዖም ምንባሮም ይዝከር።
ንተግባራውነት ናይ ክታበት ፓስፖርት ብዝምልከት፡ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝኸውን ነታ ሃገር ዝምልከት ክኸውን ከምዝግባእ፡ እቶም መራሕቲ ሃገራት ተሰማሚዖም ኣለዉ።