ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ን ጓል 74 ዓመት ብሪጣንያዊት ሕምምቲ “ኣልዜይመርስ” ኣመልኪቱ ኣውጺእዎ ዝነበረ
ናይ ምስጓጒ ውሳነ ደው ኣቢልዎ። ብሕማም ምርሳዕ (ኣልዜይመርስ) እትሳቐ ካትሊን ፑል፥ ኣብ ሽወደን ንኣስታት 20 ዓመታት
ተቐሚጣ’ላ። እንተኾነ ግና ብሪጣንያ ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጽኣ፥ ኣብ ሽወደን ክትመጥ ከም ዘይትኽእል
ን ዓዳ ክትስጐጒ ምዃናን ስድራኣ ተነጊርዎም ኔሩ እዩ።
በዚ ድማ ስድራኣ ናብ ብሪጣንያ ዘይትምለሰሉ ምኽንያት ንምጥንኻር፥ ሓድሽ ምስክር ወረቐት ሓኪም ከቕርቡ በቲ ኤጀንሲ
ተሓቲቶም ኔሮም እዮም። ካትሊን ፑል ጡረተኛ ኮይና ምስ ደቂ ወዳ ንኽትቅመጥ እያ ናብ ሽወደን ኣትያ። እንተኾነ ቅድሚ ዓሰርተ
ዓመታት ኣትሒዛ ብሕማም ምርሳዕ ተታሒዛ፥ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክንክን ተኣላዪት ኮይና ምጽንሓ ሬድዮ
ሽወደን ገሊጻ። በዚ ድማ ፥ ብምኽንያት ስድራኣ ዘቕረብዎ ሕክምናዊ መርትዖታት እቲ ክሰጓ ተዳልዩ ዝነበረ ኤጀንሲ ነቲ ብይን
ከቋርጾ ከም እተቐሰበ ሓቢሩ’ሎ።
"ብምኽንያት እዚ ሓድሽ ሓበሬታ፥ ነዚ ጒዳይ ዳግማይ ክንርእዮ ክንክእል ኢና" ክብል ኣፈኛ እቲ ኤጀንሲ ን ሬድዮ ሽወደን
ገሊጹ’ሎ።