ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ በብዝመስለን ኣገባብ ናይ መገሻ ወይድታት ከተግብራ ምጽነሀን ይፍለጥ። እንተኾነ፡ እዞም ኣገባባት እዚኣቶም፡ ንመስመራት መንገዲ ኣየር፡ ዘየቕስን፡ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።
ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ሎሚ ኣብ ሎክሰምቦርግ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንቀይድታት መገሻ ዝምልከት ግዴታዊ ዘይኮነ ሓባራዊ መምዘኒታት ክኽተሉ ተሰማሚዖም ኣለዉ።
እቲ ሓባራዊ መምዘኒታት ዝበሃል፡ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓቀኛ ዝኾነ ብደረጃ ምምሕዳር ዝቐርብ ንለበዳ ዝምልከት ጸብጻባት ከቕርባን፡ ኤውሮፓዊ ማእከል ምክልኻል ለበዳ ብወገኑ፡ ንኹነታት ለበዳ እተን ሃገራት ዝምልከት ሰሙናዊ ካርታ ከቕርብ ዝብል እዩ።
ገያሾ፡ ንጹር ሓበሬታ ንኽረኽቡ፡ ኤውሮፓዊ ኮሚሽን፡ ንኹነታት እተን ሃገራት ብቀጠልያ፡ ብጫን ቀይሕን ሕብርታት ጌርካ ንምግላጽ ዘኽእል እማመ ኣቕሪበን ኣለዋ።መምዘኒ ናይዞም ሕብርታት፡ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 14 መዓልታት ዝርከብ ጸብጻባት መጠን ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ካብ 100 ሽሕ ሰብ ክኸውን እዩ። ተወሳኺ ራብዓይ ሕብሪ፡ ሓሙኽሽታይ፡ ነተን ብጣዕሚ ትሑት ዝኾነ መጠን ብዝሒ መልከፍቲ ኮሮና ካብ 100 ሽሕ ሰባት ዝርከበን ከባቢታት፡ ወይ ድማ እኹል ሓበሬታ ዘይመሓላልፋ ከባቢታት ዝውክል ክኸውን እዩ።
ብመሰረት እቲ መምዘኒ፡ እቶም ካብ ብጫ፡ ቀይሕ ወይ ድማ ሓሙኽሽታይ ሕብሪ ዘለወን ከባቢታት ዝመጹ በጻሕቲ፡ ውሸባ ወይ ድማ መርመራ ኮሮና ዝምልከቶም ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ካብ ብጫ ሕብሪ ዘለወን ከባቢታት ዝመጹ ግን ካብዚ ዝተባህለ ነጻ ምዃኖም ተሓቢሩ።