ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ መንጎ ገለ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዘሎ ቊጠባውን ፖለቲካውን ዝምድና እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መንጎ በልጅዩም፡ ፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ሉክስምበርግ፡ ሆላንድን ሽዑ ዝነበረት ምዕራብ ጀርመንን እተመስረተ ቊጠባውን ፖለቲካውን ምትሕብባር እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝሰፈነ ሰላም ንምዕቃብን ንግዲ ኣብ መንጎ ሃገራት ኤውሮጳ ንምትብባዕን’ዩ ተተኺሉ። እቲ ቀንዲ ሓሳብ፡ ኲላተን ብቚጠባዊ መገዲ ሓንቲ ካብታ ሓንቲ እትደሊ ኮይነን ግጭት ዘይብለን ንክኾና እዩ። ብሓጺሩ ነፍስ ወከፍ ሃገር ነቲ ናታ ስልጣን ብምጕዳል ብሓባር ኮይነን ኣብ ዓለም ዓቢ ጽልዋ ንኽህሉወን እዩ ሓሳባተን።
ሽወደን፡ ኣብ 1995 ዓ.ም ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይና። እቲ ሕብረት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ 28 ኣባላት ሃገራት ኣለወኦ። ንሳተን ድማ ኣብ ናጻ ምንቅስቓስ ናይ ኣቕሑ፡ ኣገልግሎት፡ ርእሰ ማልን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን፡ ናይ ኣከባቢ ዕቃበ፡ ንጸጥታን ምክልኻልን ዝምልከቱ ጒዳያትን ይነጥፋ። መብዛሕትአን ኣባላት፡ ሓባራዊ ባጤራ ኤውሮ ይጥቀማ። ሽወደን ግን ኣይትጥቀመሉን እያ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕግታት ዝሕግጋ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ኣለወኦ:- ንሳተን ድማ፡ ኤውሮጳዊ ኮምሽን (Europeiska kommissionen): ኤውሮጳዊ ባይቶ (Europaparlamentet) ከምኡ’ውን ቤት ምኽሪ ምኒስተራት፡ (ቤት ምኽሪ ኤውሮጳዊ ሕብረት)(Europeiska unionens råd) እየን። እዘን ሰለስተ ትካላት’ዚኣተን፡ ኣብ ዋና ከተማ በልጁም-ብራስለስ፡ ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ-ስትራስበርግ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃገረ-ሉክሰምበርግ ይርከባ። እዘን 28 ኣባላት ሃገራት’ዚኣተን ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ኣገባባት ይታሓጋገዛ:-
ልዕለ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Överstatlig nivå)
ኲላተን ኣባላት ሃገራት ዝኽተለኦ ግዱድ ውሳነ። እቶም ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝሕግጎም ሕግታት ምስዚ ውሳነ’ዚ ይጽብጸቡ። ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ልዕሊ ዂላቶም ሕግታት ኣባላት ሃገራት’ዩ። ብዙሓት ሕግታት፡ ንግዲ: መገሻን ስራሕን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ንምቅላል’ዮም ዝሕገጉ። ንሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝምልከት ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ፍርዲ ኣሎ። ቤት ፍርዲ ኤውሮጵዊ ሕብረት ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። መደበሩ ኸኣ ኣብ ሉክሰምበርግ’ዩ።
በይነ-መንግስታዊ ጽፍሒ (Mellanstatlig nivå)
ሕግታት ዘይክተል፡ ብወለንታዊ ኣገባብ ኣብ መንጎ 28 ኣባላት ሃገራት ዝግበር ምትሕብባር። ንኣብነት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብዛዕባ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻእን ወተሃደራዊ ዕማምን ውሳነ ከሕልፍ ከሎ ብበይነ-መንግስታዊ ጽፍሒ’ዩ ዝካየድ።
ሃገራዊ ጽፍሒ (Nationell nivå)
ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ሃገር፡ ኣብ ጒዳያ ክትውስን መሰል ኣሎዋ። ኲላቶም እዘን ሃገራት’ዚኣተን ዝውስናኦም ሕግታትን መምርሕታትን ግን ምስ’ቶም ብጽፍሒ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ማለት ‘ልዕለ-መንግስታዊ ጽፍሒ’ ዝሓለፉ ሕግታትን መምርሕታትን ክሳነዩ ኣለዎም።