ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዩልፋ ዮሃንሰን “ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቅልውላው ካብ ዘለዎም ከባቢታት ሰላሳ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ናይ ሰፈራ ዕድል ክረኽቡ ክንገብር ኢና” ኢላ። ኣብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ሰፈራ ክረኽቡ ምግባር ነቶም ኣብ ቅልውላው ዝርከቡ ሰባት ውሕስነት እንህበሉ ኣገባብ እዩ ክትብል ድማ ኣስሚራትሉ።
እዚ ዝተባህለ ኣብ ጀርመናዊ መጽሔት “ዴ ዜይት” ዝወጸ ጸብጻብ እዩ። ካብ 2015 ኣትሒዙ ልዕሊ 65 ሽሕ ሰባት ብፕሮግራም ሰፈራ እንተሓገዙ ናብ ኣውሮጳ ምእታዎምን ከምዚኦም ስደተኛታት እትቕበል ሃገር ንነፍሲ-ወከፍ 10 ሽሕ ዩሮ ከም እትድጎምን ተገሊጹ። ብመሰረት UNHCR እዚ ናይ ሰፈራ ፕሮግራም ካብ ሊባኖስ፥ ቱርኪ፥ ዮርዳኖስን ካልኦት ሃገራት ሜዲተራንያንን ኮይኑ ገለ ሃገራት ከኣ ን ኒጀርን ሩዋንዳን ቀዳምነት ክህባ እየን ተባሂሉ’ሎ።