ካብ ናብን ኣሜሪካን ኤውሮፓጳዊ ሕብረትን ዝግበር ዝነበረ መገሻታት፡ ብሰንኪ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ምስ ለበዳ ኮሮና ብዝተሓሓዝ፡ ንኣሜሪካ ካብ ዝርዝር ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ምእላዩ፡ ኣብ ዝተሓላለኸ ኩነታት ኣትዩ ከምዘሎ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እስራኤል፡ ኮሶቮ፡ ሊባኖስ፡ ሞንተነግሮን ሰሜን ማክዶንያን ውን ብኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ዝርዝር ውሕሰነት ዘለወን ሃገራት ምእላየን ተፈሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት፡ 75 ጥራይ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ሰባት ዘመዝገባ ሃገራት ብዝምልከት፡ ኤወሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት ዘቖሞ ሓድሽ መምርሒታትን ምኽርታትን መገሻ ከምዘየለ ገሊጹ።
ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ልዕሊ ዝርዝር ውሕስነት ዘለወን ሃገራት፡ ድሕሪ ዘካየዶ ምሕዳስ፡ 17 ሃገራት ጥራይ ኣብቲ ዝርዝር ከምዝተረፋ ተፈሊጡ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝርዝር ውሕስነት ዘለወን ሃገራት ዝሰፈረትሉ እዋን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ እኳ እንተኾነ፡ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብ ኣሜሪካ ንኽገሹ ሽግር ከምዝረኽቡ፡ ጸብጻባት ብሉምበርግ ይሕብሩ።
ነፍሲ ወከፍ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኾነት ሃገር፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ቅጥዕታት መገሻ ክትገብር ከምትኽእል ይፍለጥ። ጀርመንን በልጅምን ንኣሜሪካ ኣብ ዝርዝር ቀይሕ ሕብሪ ዘለወን ሃገራት ከምዘእተዋኣ ሓቢረን።
ካብ ዝርዝር ቀይሕ ሕብሪ ዘለዋ ሃገራት ዝመጹ ገያሾ፡ ናብ ካልእ ሃገር ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ መርመራ ኮቪድን ውሸባትን ክገብሩ ከም ዝግደዱ ይፍለጥ።