ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ካብቲ ጌና ብኤውሮጳዊ ተቖጻጻሪ መድሃኒት ተቐባልነት ዘይረኸበ፡ ፍርያት ፈረንሳዊ ኩባንያ ቫልነቫ ዝኾነ ክታበት፡ ናይ 60 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ጠለብ፡ ኣብ ክልተ እብረ ዝርከብ ኮይኑ፡ 27 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ኣብዚ ዓመት እዚ፡ እተን ዝተረፋ 33 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ድማ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ንክርከባ ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እዚ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል፡ ኣንጻር ተቐያያሪ ባህርያት ናይ ቫይረስ ኮሮና፡ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ክታበት ብምድላው፡ ክንቃለሶ ከኽእለና እዩ። ለበዳ ኮቪድ፡ ኣይተወደአን እዩ ዘሎ፡ ክኽተብ ዝግበኦ ሰብ ድማ ክኽተብ ኣለዎ ክትብል ኮሚሽነር ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኡርሹላ ቮን ደር ለየን፡ ኣብ ዘካየደቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ።
እዚ፡ ብኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተገብረ መበል ሻምናይ ውዕል ክታበት ኮቪድ-19 ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ፡ ምስ ኣስትራዘነካ፡ ጆንሰን፡ ፋይዘር-ቢዮንተክ፡ ሞደርና፡ ሳኖፊ-ጂ.ኤስ.ከይ፡ ሱርቫክን ኖቫቫክስን ውዕል ኣትዩ ከምዝነበረ ይዝከር።
ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ቫልነቫ፡ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዝተዶከነ ኮይኑ፡ ኣብ ሶልና፡ ኦስትርያን ስኮትላንድን ውን መስርሕ ፍርያት ናይቲ ክታበት የካይድ ምዃኑ ይፍለጥ።