መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ብመንግስቲ ብሪጣንያ ዝተኣወጀ ውጥን ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ “ሕሱርን ዘይሞራላውን” ክብል ነቒፍዎ።
ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ርዋንዳ’ውን ንገንዘብ ክትብል ኣካል ናይቲ መደብ ምዃና “ክኹነን” ዘለዎ’ዩ ኢሉ።
“እዚ ንግሉጽ ገንዘባዊ ረብሓ: ብምትሕብባር ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝካየድን ሕሱርን ዘይሞራላውን ውጥን ኩሉ ክኹንኖን ክቃወሞን ኣለዎ” ይብል እቲ መግለጺ።
ነቶም ዝሰጋገሩ ስደተኛታት ንምድጋፍ ዝውዕል 120 ሚልዮን ፓውንድ ንርዋንዳ ክወሃባ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
Källa BBC TIGRINJA