ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ክፍሊ ምክትታል ዶባት ዝኾነ ፓትሪክ ኢንግስትሩም ሎሚ መዓልቲ ምስ ረድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዜጋታታ ኣገዲድካ ክትመልሰለን ዘይከኣላ ሃገራት ምኻና ሓቢሩ::
እሱ ዘረብኡ ብምቅጻል ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሃገራት ዜጋተተን ብወለንተኦም እንተዘይኮይኑ ኣገዲድካ ክትመልስ ከምዘይካኣል ብምግላጽ ምስ ወከልቲ እዘን ሃገራት ዝኾኑ ኣምበሳደራት ዝርርብ ክጅመር ምኻኑ ኣተንቢሁ::
በጀካ ኤርትራ እተን ዝተረፋ ሃገራት ዒራቅ፥ኢራን ሶማልያን ሊባኖስን ምኻነን ተገሊጹ::