52 ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ዝረከብዎም ካብ ሃገራት ኤርትራ፤ ኢትዮጵያ፤ ሶማልያን ሱዳንን ሎሚ ጣልያን ኣትዮም። ካብዞም ጥልያን ዝኣተዉ ስደተኛታት ጋል 7 ወርሒ ህጻን ሶማልያዊት ትርከቦም ኮይና ንብዙሕ ዓመታት ኣብ መዳጎንታት ሊብያ ክሳቀዩ ዝጸንሑ እዮ።
ሓላፊ ትካል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ፡ ጂን-ፖል ካቫልየር፡ “ሎሚ 98 ሰባት ውሑስ ናብ ዝኾነ ቦታ ወሲደና። እዚ ግና ውሑድ ቁጽሪ ናይቶም ብሓሽሓት ዝቑጸሩ ነዚ ሐገዝ ዝደልዩ እዩ። ኣስታት 3,600 ገና ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ኣለው። ነዚኦም ከኣ ብዝቐልጠፈ መፍትሒ ክርከበሎም ኣለዎ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ እቲ ትካል ስደተኛታት፡ ነዚ ተበግሶ ንዝወሰደ መንግስቲ ጥልያን ድሕሪ ምምስጋን ካልኦት ሃገራት’ውን ኣብነት ጥልያን ተኸቲለን፡ ሰብኣዊ ሓገዘን ከበርክታ ጸዊዑ።
ኣብ 2019፤ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ከባቢ 1,474 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ካልእ ውሑስ ቦታ ከም ዝዘሰጋገረ ሓቢሩ። ካብዚኦም 710 ናብ ኒጀር፡ 393 ናብ ዓዲ ጥልያን፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከናዳን ሃገራት ኤውሮጳን ተወሲዶም።
ኣብዚ እዋን 1,096 ካብ ሊብያ ዝገዓዙ ስደተኛታት ኣብ ኒጀር ከም ዝርከቡ፡ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ይሕብሩ።