ወዲ 23 ዓመት ሽወደናዊ ኣትሌት ሮቤል ፍሰሃ ናይ መሐየሊ ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ይወስድ ምንባሩ ተረጋጊጹ። በዚ መሰረት እዚ ታሪኻዊ ሻምፕዮና ኣውሮጳ ካብ ውድድር ከም ዝደስከለ ተረጋጊጹ። ንሱ ኣቐዲሙ ብርክት ዝበለ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ብ SMSM ን ፊንካምፕን (Finkamp) ውድድራት ምዕዋቱ ይዝከር።
ሮቤል ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ውድድራት ሻምፕዮና ኣውሮጳ ዕረፍቲ ወሲዱ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር ኰይኑ ኣብቲ ዝተሳተፎ ናይ ኣውሮጳ ሻምፕዮና ውድድራት ፈላማይ ንሽወደን ናይ ወርቂ መዳልያ ዘምጽአ ዜጋ ምዃኑ ይዝከር። ሕጂ ግና ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ምውሳዱ ምርግጋጹ ማሕበር ኣትሌቲክስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ማሕበር ብዛዕባዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ውድድር ኣብ ዕለት 5 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥርጣረ ከም ዝበጽሖን ሓቢሩ’ሎ።
በዚ መስረት ሮቤል ስጋብ ኣብ ቀጻሊ ሓበሬታ ዝበጽሖ ካብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ከምዝደስከል እዚ ቤት ጽሕፈት ወሲኹ ይገልጽ።
ከም ትዕዝብትና ሮቤል ታዓዋታይ ወርቂ መዳልያ ኣብ መድረኽ ኣውሮጳ ን ሽወደን ሽማ ኣብ ዘጸውዓሉ ግዜ ዝኾነ ማእከነ ዜና ሽወደን ሸፈነ ይኩን ከም ዜና ክቓልህዎ ዘይተራእዩ ነዚ ሕማቕ ዜና ኣብ ምጕዋሕ ብዝላዓለ እየን ተውሲኤን እዚ ገለ ካብ ዘተዓዛዝብ ምዃኑ እዩ።