Källa BBC TIGRINJA
ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ብ19 ሚያዝያ 2022 [11 ሚያዝያ 2014 ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዝዀነ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ውትህድርና ከምዘይቅበል ኣፍሊጡ።
እዚ መግለጺ፡ ነቲ “ኣድላዪ ብዝዀነ ኵሉ መገዲ” ኣብ ጐድኒ ሩስያ ደው ክንብል ኢና ብምባል፡ ብዙሓት ኢትዮጲያውያን መንእሰያት ኣብ ኣፍደገ ‘ቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብብዝሒ ተሰሊፎም ድሕሪ ምቕናዮም ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ እዩ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተንቀሳቐሱሉ፡ ብዙሓት መንእሰያት ኣድላዪ ዝበልዎ ሰነዳት ሒዞም ኣብ ከባቢ ‘ቲ ኤምባሲ ተሰሪዖም ተዓዚቦም።
ኣብ ኣፍደገ’ቲ ኤምባሲ ደው ኢሉ ይጽበ ንዝነበረ ሓደ መንእሰይ ንቢቢሲ ከም ዝገለጾ፡ ብጽቡቕ ደሞዝ ኣብ ውትህድርና ይዅን ካልእ ዝዀነ ዝተረኽበ ስራሕ ክቝጸር ከም ዝመጽአ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ንሩስያ እፈትዋ እየ” ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ሰባት ብወገኖም፡ ኣብ ሩስያ ብርክት ብዝበለ ደሞዝ ስራሕ ከም ዘሎ ሰሚዖም ከም ዝመጽኡ ገሊጾም።