ኣባል ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ዝኾነት ኤላ ዊዲን፥ ነቲ ሰልፊ ብፍቓዳ ትገድፎ ምህላዋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ገሊጻ። ንሳ
ነቲ ሰልፊ ክትገድፍ ዝወሰነትሉ ምኽንያት፥ ሰልፋ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣባል ሰልፊ ሊበራልን ሚኒስተር ትምህርቲን ማትስ ፐርሾን
ንዝቐረበሉ ነቐፌታ ምላሽ ክህብ ብዘይምኽኣሉ እዩ፥ ክትብል ገሊጻ’ላ።
ዊዲን ኣብ ጒዳይ ምልዋጥ ኪሊማ መጽናዕቲ ክግበር ዘይትድግፍ ብምዃና ነቐፈታ ክወርዳ ጸኒሑ’ሎ። ብፍላይ ዝሓለፈ ወርሒ
ሚያዝያ፥ ኣብ ሓደ ዋዕላ ምስታፋ ብ ፐርሾን ብትሪ ከም እተነቕፈት ዝዝከር እዩ። ፐርሾን ነቲ ዋዕላ ኣመልኪቱ፥ ዊዲን ኣብ ጒዳይ
ክሊማ፡ ክትባትን ጃምላዊ ህልቂት ኣይሁድን ዝኾነ ውዲት ኣሎ ንዝብል ክልሰ-ሓሳብ ትድግፍ እያ ኢሉ ኔሩ እዩ። ዊዲን ኣብ
ዝሓለፈ ሓፈሻዊ ምርጫ እያ ናብ ባይቶ ሽወደን–ሪክዳግ ኣትያ። ካብ ሰልፋ ትሰናብት እምበር፥ ኣብ ባይቶ ከም ናጻ ኣባል ኮይና
ክትቅጽል እያ–ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን።