ሓደ ካብ ዝዓበዪ ትካላት ጡረታ ዝኾነ “ኤለክትራ” ናይ 12 ቢልዮን ክሮና ክሳራ ከም ዘጋጠሞ ተገሊጹ። ኤለክትራ እዚ ክሳራ
ዘጋጠሞ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከባ “ባንክ ሲሊኮን ቫሊ” ን “ሲግነቸር ቫሊን” ድሕሪ ዘጋጠመን ውድቀት እዩ። ኤለክትራ ኣብዘን
ባንካታት ገዚፍ ወፍሪ ከም ዝገበረ ዝፍለጥ እዩ።
"እዚ ን ኤለክትራ ዓብዪ ክሳራ እዩ፥ ዓቖርቲ ጡረታ ነዚ ከስተውዕሉሉ ድዮም ርግጸኛ ኣይኮንኲን" ክብል ኣብ “ስማስፓራርጊደን”
ኣማኻሪ ፋይንናሳዊ ጒዳያት ፓትሪክ ሲግባን ኣተሓሳሲቡ።
“በዓልመዚ ምክትታል ፋይናስ ሽወደን” ብወገኑ ትማል ን ኤለክትራን ካልኦት ትካላት ጡረታን መድሕንን ብምጽዋዕ ኲነታተን
ንሓደጋ ዘለወን ተቓላዕነትን ክምርምራ ኣጠንቂቑ’ሎ።