Källa BBC TIGRINJA
ቦርድ ትዊተር፡ ትዊተር ንሃብታም ዓለምና ዝኾነ ኤለን መስክ ብ44 ቢልዮን ዶላር ክሸጦ ተሰማሚዑ።
ቢልየነር መስክ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን እዚ ዘሰንብድ ዋጋ ከቕርብ እንከሎ ትዊተር ገና ዘይተፈተሸ “ዓብዪ ዓቕሚ” ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ትሕዝቶታት’ቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ምፍኳስ ክሳብ ናይ ስኑዕ ዜና መጥቀሚታት [ኣካውንታት] ምጥፋእ ኣገደስቲ ለውጥታት ከም ዝገብር እውን ገሊጹ።
ትዊተር መጀመርታ፡ መስክ እቲ ኩባኒያ ንምዕዳግ ዘቕረቦ ሓሳብ እኳ እንተነጸጎ ሕጂ ግን ኣብቲ ኩባኒያ ብጽሒት ዘለዎም ሰባት ነቲ ስምምዕ ከጽድቑ ድምጺ ክህቡ ክሓትት እዩ።
ሃብታም ዓለምና መስክ፡ መጽሄት ፎርብስ ከም ዝብሎ 273.6 ቢዮን ዶላር ዝተጻረየ ሃፍቲ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኤሌክትሮኒክ መኪና ቴስላ ብዘለዎ ብርክን መራሒ ትካል ስፔስ ኤክስን እዩ።
“ናጽነት ምዝራብ መሰረት ዴሞክራሲ’ዩ፤ ትዊተር ድማ ሰባት ወሰንቲ ጉዳያት መጻኢ ህይወት ዝካትዕሉ ዲጅታላዊ ኣደባባይ እዩ” ክብል መስክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።