ሰባት፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ፡ ብናህሪ ይሳለጥ ምህላዉ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ገሊጹ።
ጉጅለ ጣሊባን፡ ብ 15 ነሓሰ ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም ካብታ ሃገር ክወጹ ናይ ዝደልዩ ሰባት ቊጽሪ ብኣሽሓት ክውስኽ ምጽንሑ ቢቢሲ ሓቢራ። ዛጊት 28 ሽሕ ኣፍጋኒስታናውያን ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ከም ዝግዕዙ ተጌሩ ምህላዉ ጆ ባይደን ገሊጹ’ሎ። ክሳብ ዕለት 31 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኲሎም እዞም ክወጹ ዝደልዩ ሰባት ንምጉዕዓዝ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምህላዉ እውን ተሓቢሩ። እዚ ናይ ግዜ ገደብ ክናዋሕ ምስ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝርርብ እኳ እንተጸናሕና “ተስፋና ካብዚ ዝተባህለ ግዜ ከይንሓልፍ እዩ” ክብል ባይደን ወሲኹ ኣመልኪቱ።
18 ናይ ንግድ ነፈርቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ምጉዕዓዝ እዞም ኣፍጋኒስታናውያን ክውዕላ ምዃነን ፔንታጎን ገሊጹ ኔሩ እዩ። ዛጊት ብሰንኪ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ወጻኢ ዘሎ ጽቕጢ፡ 20 ሰባት ምሟቶም ሓደ በዓልመዚ ኔቶ ን ሮይተርስ ሓቢሩ’ሎ።