ኣመሪካ፡ ነቶም ንሓይልታት ኣመሪካን ኔቶን ከም ተርጎምቲ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣፍጋኒስታናውያን ካብታ ሃገር ከተውጽኦም እያ ተባሂሉ።
እዞም ተርጎምቲ፡ ድሕሪ ምውጻእ ሓይልታት ወጻኢ፡ ኣብ ሓደጋ ክኣትዉ ይኽእሉ እዮም ብዝብል እዮም ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ዝግበር ዘሎ። “እዚኣቶም ተባዓት ሰባት እዮም። ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት፡ ንሓይልታትና ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ክህቡና ዝጸንሑ ብምዃኖም፡ ንዝሃብዎ ኣገልግሎት፡ ኣፍልጦ ከም እንህብ ክንገልጸሎም ኣሎና” ክትብል ኣፈኛ ዋይትሃውስ፡ ጄን ፕሳኪ፡ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ሓቢራ።
ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓልመዚ፡ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ 2500 ዝኾኑ ካብዞም ኣፍጋኒስታናውያን ናብ ኣመሪካ ወይ ሳልሳይ ሃገር ንኽሰጋገሩ ናይ ቪዛ ምስላጥ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።
ኣመሪካ፡ ክሳብ መስከረም 11 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ጠቕሊላ ካብ ኣፍጋኒስታን ክትወጽእ ምዃና ፕረሲደንት ጆ ባይደን ምግላጹ ዝዝከር እዩ። እዚ እናኾነ እንከሎ ግን፡ ጒጅለ ጣሊባን ሰፋሕቲ ቦታታት ኣፍጋኒስታን ይቈጻጸር ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።